ሕግታት ብድሆ/Challenge rules

ኣብዚ ብድሆ እዚ ካብ 0 – 13 መድረኻት ኣለዉ። እዞም ዓሰርተው ሰለስተ መድረኻት እዚኣቶም ኣብ ዓሰርተው ክልተ ኣዋርሕ ዝካየዱ ብድሆታት እዮም።
መድረኻት

  • 0- መበገሲ ፦ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ምስ ገዛእ ርእስኹም ፡ እትገጥመሉ ፡ ኣሰኒፍካ መለለይ ቁጽሪ ሒዝኩም እትወጹሉ መድረኽ እዩ። እዚ መድረኽ እዚ ኻኣ ቁልፊ ንግስነት ኩኩናይ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • 1፦ ኣንዚ መድረኽ እዚ ካብዚ መበገሲ ደረጃ ፍልይ ዝበለ ሕጊ ኣለዎ። ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝብል ሕጊ፡ ነታ መለለይ ቁጽሪ ምስ ተረከብኩማ፡ ናብ ክትመራረጹሉ እትኽእሉ መድረኽ ትሓልፉ ፡ ኣብዚ መድረኽ እዚ ምሳኹ ክጋጠም እትደልይዎ ሰብ ክትሓርዩ ትግደዱ ፡ ምስቲ መጋጥምትኹም ሓደ ዓይነት መጽሓፍ ፡ ገደብ ግዜ ይዋሃበኩም ፡ እቲ ናይ ምንባብ ገደብ ግዜ ምስ ኣኸለ ፡ ኣብቲ መጋጠሚ መድረኽ ትሳተፉ እቲ ዘሰነፈ ንቕድሚት ይስጉም። እቲ ዝተሰነፈ ናብቲ መጋጥምቲ እንሓርየሉ ቦታ ተመሊሱ ፡ እንደገና መጋጥምቲ ሓርዪ ይጋጠም።
  • 2፦ ኣብዚ መድረኽ እዚዉን እንተ ኾነ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘሎ ዓይነት ቅዳዊ ሕጊ ተመሳሳሊ እዩ። ምስቶም ናብ ካላኣይ መድረኽ ኣሰኒፎም ዝመጹ ተባዓት ተመራሪጽኩም ኣሰኒፍኩም እትሓልፍሉ፡ እቲ ዝተሰነፈ ካላኣይ ዕድል ዝረኽበሉ መድረኽ እዩ።
  • 3፦ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ኣፍካ ማይ ዘምዑግ ገጸበረከት ኮንዶኾን ወይ ርካስ /Risk/ እዩ ዘሎ። እዚ ርካስ እዚግን ግዴታ የብሉን ፡ ብፍቶትካ እታኣትዎ ርካስ እምበር። ከምቶም ቀዲሞም ዘለዉ መድረኻት ዝፍለ ሕጊ ሰለ ዝየሎ በዚ መንገዲ እዚ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
    ** እንተ ዳኣ ርካስ ናይ ምውሳድ ትብዓት ሃሊይኩም ኮይኑ ግን ፡ ነቶም ተባዓት ዝተዳለወ ርካስ ኣሎ። ብኽልተ መድረኻት ትሕጃ ዝደምቕ ርካስ!! ኣብዚ ርካስ እዚ ዝተዓወተ ንቕድሚት ብክልተ ደረጃ ብምዝላል፡ ናብ ደረጃ ሓምሻይ ይድይብ። እንተ ዳኣ ፍሽለት ኣጋጢምዎ ኻኣ ናብ ቀዳማይ መድረኽ ይምለስ ሕጊ ናይ ርካስ እዩ። ነዚ ክትገብሩ ትብዓት እንተ ዳኣ ዘይረኺብኩም በቲ ልሙድ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኩም።
  • 4፦ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ፍልይ ዝበለ ሕጊ የለን፡ ከምተን ቀዳሞትን ፡ ካሎኦትን ሕጊ እናተኸተልኩም እትኸዱሉ መድረኽ እዩ።
  • 5፦ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ፍልይ ዝበለ ሕጊ የለን፡ ከምተን ቀዳሞትን ፡ ካሎኦትን ሕጊ እናተኸተልኩም እትኸዱሉ መድረኽ እዩ።
  • 6፦ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ፍልይ ዝበለ ሕጊ የለን፡ ከምተን ቀዳሞትን ፡ ካሎኦትን ሕጊ እናተኸተልኩም እትኸዱሉ መድረኽ እዩ።
  • 7፦ ርካስ ካብ ነድረኽ 7- 9 ። እዚ መድረኽ እዚ ምስቲ ሳልሳይ መድረኽ ተመሳሳሊ እዩ። ነቲ ድፍረት ናይ ምውሳኽ ሃረርታ ዘለዎ ዝተዳለወ መድረኽ እዩ። እቶም ርካስ ዘይብርሃኩም በቲ ልሙድ መንገዲ ክትከዱ ከም እትኽእሉ ከዘኻኽረኩም እፈቱ።
  • 8፦ ኣብዚ ነድረኽ ሕጊ`ኳ እንተዘይ ተለወጠ ፡ ዉሽእከ መጽሕፍቲ ግን ኣሎ። ካብ ሻምናይ መድረኽ ክሳብ መበል ዓሳርተው ክልተ መድረኽ ዘሎ በብኽልተ መጻሕፍቲ እዩ ክኸዉን። እዚ ሕጊ እዚ ግን ካብ ሻድሻይ መድረኽ ክጅምረሉ ዘሎ ተኽእሎታት ዓብይ እዩ።
  • 9፦ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ፍልይ ዝበለ ሕጊ የለን፡ ከምተን ቀዳሞትን ፡ ካሎኦትን ሕጊ እናተኸተልኩም እትኸዱሉ መድረኽ እዩ።
  • 10፦ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ፍልይ ዝበለ ሕጊ የለን፡ ከምተን ቀዳሞትን ፡ ካሎኦትን ሕጊ እናተኸተልኩም እትኸዱሉ መድረኽ እዩ።
  • 11፦ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ፍልይ ዝበለ ሕጊ የለን፡ ከምተን ቀዳሞትን ፡ ካሎኦትን ሕጊ እናተኸተልኩም እትኸዱሉ መድረኽ እዩ።
  • 12፦ ወርሒ ዓሰርተው ክልተ ናይ መወዳእታ መድረኽ ፡ እቲ ዝበለጸ መድረኽ እዩ ክኸዉን። ፍልይ ዝበለ መደባት ከም ዘሎ ክሕብረኩም እፈቱ። ከምቶም ካሎኦት መድረኽ ኣይኮነን ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዝከናወን ፡ ንጥፈታት ሕጂ ዘይኮነ ፡ ገለ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ተረፎ ዝሕበረኩም ክኸዉን እዩ። ናይ`ዛ ዓመት እዚኣ ኻኣ እታ ዝበለጸት ወርሒ ክትከዉን እያ።