ኣብ ግዚኡን ኣብዘይ ግዚኡን ጽናዕ

እዛ ሃይለ ቃል እዚ`ኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ከም ዝሰማዕክምዋን ኣይጠራጠርን እየ። ንሕና ኻኣ ናብ`ቲ እንደልዮ ዘለና ከነምጻኣ እንከለና ኣመና ሓያል ቃል እያ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ጉዕዞ፡ ጽንኩራት ነገራት ይፍጠሩ እዮም።
እንተ ኾነ ግን ሓደ ነገር እየ ዝዝክር። ናይ`ቲ ክንበጽሖ እንጽዕሮሉ ዘለና መስርሕ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ነገራት ምስትምቓሩ፡ ካብ ምስትምቓሩ ሓሊፍና ኻኣ ኣእምሮና ምሕላው። እዛ ኣእምሮና ምሕላው እትብል ኣመና ኣገዳሲት እያ። ኣገዳሲት ትራሕ`ዉን ኣይኮነትን። ኩሉ ነገር እያ ኣብ ግዜ ጽንኩር ነገራት ካብ ኣሉታዊ ሓሳባት ኣእምሮና ምሕላው ማለት ዓብይ ሃብቲ እዩ።

እቲ ዝኸበደ ናይ ዓውደ ዉግን ስፍራ!!

ኣብ`ዚ ናይ ዓውደ ዉግል ስፍራ መን ዘሰንፍ ይመስልኩም!? ካብዚኣቶም እቲ ዝሰነፈ ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝሕዝን ንኹል ነገር በቲ ዝደልዮ መንገዲ ከም ዝመርሖ ርዱእ ነገር እዩ። እንተ ኾነ ግን ከም እንዛረበሉ ዘለና ቀሊል ኣይኮነን። ክሳብ ኣብ ጣዕሳ ከውድቀካ ይኽእል እዩ።

እቲ ሓደ ከሰንፍ ግዴታ እዩ። ካብዞም ተቃለስቲ መን ተሰነፈ ይሓይሽ ትብሉ።

በዓል ዕላማ

መብዛሕቱኡ እዋን እዞም ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰባት` ነዚ ወለዶ እንትርፎ ዘረባ ውልሓንቲ እንዶ ዘይብሉ ጌሮም ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ኣመና እዩ ዘገርመኒ። እቲ ዘገርመኒ ነገር ምጽራፎም ዘይኮነ`ስ ንሕና ዉጽ`ኢት ናቶም ምዃና ምዝንግዖም እምበር።