2
ብዙሕ እዋን ምሳይ ዝነበረ ዓርከይ።ኣብ ዝኮነ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጠይ ዘሎኒ፡ ክብሪ ነጊረዮ ኣይፈልጥን። ክሓስቦ ከለኩ- ኩሉ ግዜ ምሳይ ኣሎ ኢለ ስለ ዝኣመንኩ ኢየ።
ብሐደ ወርሒ ተመሪዐ-ዓርከይ ምሳይ ምህላዉ ድርብ ተሓጉሰ። እዝውን ነጊረዮ ኣይፈልጥን።
ሕጂ ካባይ ተፈልዩ- ኣብ ካልእ ሃገር ይቕመጥ ኣሎ።
ካብ ንፈላለ መዓልታት ገይሩ ኣሎ።
ከመይ ተሰሚዒኒ ክገልጾ ኣይክእልን።
እዚ ዓይነት ስምዒት ኣብ ውሽጠይ ምኽዛን ብዙሕ ይሃሴኒ።
ካበይ ዝመጸ ልምዲ ኢዩ ኢለ ብዙሕ ግዜ ንነብሰይ ይሓታ እሞ፡ መልሲ ይስእን።
ብዝኮነ ሓደ ክነግሮ ዝደሊ ስምዒትና ምክዛን ኣሉትኡ ይበዝሕ።